ብተደጋጋምን ብዚያዳን ኣልኮላዊ መስተ ዘዘውትሩ ሰባት ቍጽሮም እንዳወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ኣልኮላዊ መሰተ ዚበዝሕ እዋን ምስ በዓላትን ምስ ምዝናይን ጥራይ ዘይኮነስ ሃልኪ ኣልኮላዊ መስተ ካብ ቍጽጽር ኣብ ዚወጸሉ ወቕቲ’ውን ምስ ሕፍረትን ውድቀትን ይተኣሳሰር’ዩ።

ጸገም ምስታይ ንኻልኦት ሰባት ጥራይ ዘጋጥም ነገር’ዩ ኢልካ ክትሓስብ ቀሊል’ዩ። ዚበዝሕ እዋን ጸገም ምስታይ ምስ ማሕበራዊ ጸገም: ምስ ሸቕለ-ኣልቦነትን ግዳም-ሓደርነት’ዩ ዚተኣሳሰር። ይዅን’ምበር: እቶም ካብ ዓቐን ንላዕሊ ዚሰትዩ: ምንም ብደገ ዚረአ ጸገም የብሎምን። እቶም ዚበዝሑ: ልክዕ ከም’ቶም ሽጋራ ዘትክኹ: ብዘይ ዓቐን ዚበልዑ ወይ እኹል ምንቅስቓስ ኣካላት ዘይገብሩ: ንቡር መነባብሮ: ስራሕ: ስድራ ቤት: ኣዕሩኽን መንበሪ ገዛን ኣሎዎም።

ኣብ ሽወደን: ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዚኾኑ: ንውልፊ ኣልኮላዊ መስተ ወሲኽካ: ንሓያሎ ጸገማት ጥዕናን መጕዳእትን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኣመል መስተ ኣሎዎም። ዚበዝሑ ሰባት ብዙሕ ዚሰትዩ ኣይመስሎምን’ዩ፤ ኣልኮላዊ መስተ ናብ ሓደጋ ጥዕና ከም ዘእቱ’ውን ኣይፈልጡን’ዮም። ይዅን’ምበር: ኣካላቶም ግን በዚ ይጽሎ’ዩ። ኣብዚ ጽሑፍ’ዚ ብኸመይ ከም ዚጽሎ ክትነብብ ትኽእል ኢኻ።

ክንደይ ዝዓቐኑ ኣልኮል’ዩ ሓደጋ ዘሎዎ?

ሓደገኛ ሃልኪ ኣልኮል ዚበሃል: ከም ወድተባዕታይ መጠን ንሰሙን 14 ብርጭቆ ኣልኮል ወይ ዚያዳ: ከም ጓላንስተይቲ ኸኣ 9 ብርጭቆ ኣልኮል ወይ ዚያዳ ምስ ትሰቲ’ዩ። ክሳዕ ትሰክር ምስታይ’ውን ኵሉሳዕ ሓደጋ’ለዎ። ኣብ ሓደ እዋን: ከም ወድተባዕታይ መጠን 4 ብርጭቆ: ከም ጓለንስተይቲ መጠን ከኣ 3 ብርጭቆ ምስ ትሰቲ: ወይ 0,6 ፕሮሚለ ኣልኮል ኣብ ደምካ ምስ ዚህሉ: ዝሰኸርካ ኮይኑ ይሰማዓካ ኣይሰማዓካ ብዘየገድስ: ከም ስኽራን’ዩ ዚቝጸር። ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዚጥቀስ ዓቐን ዝወሓደ እንተ ሰቲኻ ከም መጠነኛ ሃልኪ ኣልኮል ይሕሰብ።

ሓደ ብርጭቆ ማለት: ሓደ ንእሽቶ ጥርሙዝ ተሪር ቢራ (33 cl): ሓደ ብርጭቆ ነቢት (10-15 cl) ወይከኣ ሓደ ”ድሪንክ/ሾት” (4 cl) ኣልኮላዊ መስተ ማለት’ዩ።
ፍርቂ ሊትሮ ተሪር ቢራ (starköl, 50 cl) 1,5 ብርጭቆ ይከውን።
ሓደ ጥርሙዝ ነቢት (75 cl) 6 ብርጭቆ ይሕዝ።
ሓደ ጥርሙዝ ኣልኮላዊ መስተ (75 cl) 18 ብርጭቆ ይሕዝ።

ውሑድ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ንጥዕና ጽቡቕ ድዩ?

ብዙሓት ካባና: መጠነኛ ሃልኪ ኣልኮላዊ መስተ ንጥዕና ጽቡቕ ኪኸውን ይኽእል’ዩ ዚብል ኣንቢብና ክንከውን ንኽእል ኢና። ውሑድ ዓቐን መስተ ዚሰትዩ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት: ብሕማማት ሻምብቆ ደምን ልብን: ብሕማም ሽኮርን ናይ ምጥቃዕ ንኩይ ሓደጋ ኣሎዎም ዚብል እምነት ኣሎ። ናይ እዋንና ተመራመርቲ ግን: ኣልኮልዊ መስተ ብሓቂ ከምዚ ዓይነት ካብ ሕማም ናይ ምክልኻል ክእለት ዘሎዎን ዘይብሉን ምሉእ-ብምሉእ ኣይሰማምዑን’ዮም። እቲ ሓቂ ግን: ኣልኮላዊ መስተ ኣዝዮም ብዙሓት ጐድናውያን ሳዕቤናት ስለ ዘሎውዎ: ብስም ጥዕና: ሰባት ኪሰትዩዎ ክትምዕድ ኣጸጋሚ’ዩ።

ነፍሰጾር ዝኾነት ሰበይቲ: ጭንቀት ዘሎዎ ሰብ: ሕማም ጸላም ከብዲ ዘሎዎን ገለ-ገለ መድሃኒታት ዚወስድ ሰብን ገዲፍካ: ከይሰኸርካ ብመጠኑ ምስታይ: ዚበዝሕ እዋን ትሑት ጥዕናዊ ሓደጋ ኣሎዎ። እዞም ዝተጠቕሱ ሰባት ግን ፈጺምሞም እንተ ዘይሰተዩ ይሓይሽ።

ኣልኮላዊ መስተ ዚሰቲ ሰብ ብኸመይ ይጽሎ?

ኣብ ሓንቲ ዓርቢ ምሸት: ኣብ ሓደ ባር እንተ ኣቲኻ ኣብ ደሞም ልዕሊ 0,8 ፕሮሚለ ኣልኮል ዘሎዎም ሰባት ምርካብ ዘጋጥም ነገር’ዩ። ዓቐን ኣልኮል ደምካ: ልዕሊ 0,5 ፕሮሚለ ቅድሚ ምብጽሑ: እቲ ኣውራ ጽቡቕ ስምዒት ዚህበካ ዓቐን ምዃኑ ዚሕብር ሓደ ምርመራዊ ፈተነ ኣሎ። ዚበዝሕ እዋን እንጋገዮ ነገር እንተሎ ግን: ዚበዝሕ እንተ ሰቲና ዚያዳ ጽቡቕ ኪስምዓና’ዩ ኢልና ምሕሳብና’ዩ፤ ዋላካ እዚ ግጉይ ምዃኑ ቅድሚ ሕጂ እንተ ተረጋገጸ። ኣብ ዝተፈላለየ መጠን ፕሮሚለ ኣልኮል ኣብ ደምና: ጠባይናን ስምዒትናን ብኸመይ ከም ዚጽሎ* ካብዚ ኣስዒብና ንመልከት።

0,2 ፕሮሚለ:- እቲ ፋልማይ ሳዕቤን ኣልኮል ይፍለጠካ። ምውቕ ይብለካ፤ ትዛነን ባህ ይብለካን። ርእሰ-ነቐፌታ ይንኪ።

0,5 ፕሮሚለ:- ስምዒትካ ይለዓዓል፤ ርእሰ-ግትኣት ይጐድል። መልሰ-ግብርኻ ይዝሕል፤ ናይ እትገብሮ ምንቅስቓስ ልክዕነት ይንኪ። ሚዛናዊ ዓቕምኻ ይድብን፤ ሓበሬታ ናይ ምቕባል ክእለትካ የንቈልቁል።

0,8 ፕሮሚለ:- ዋዕ-ዋዕ ክትብል ትጅምር፤ ሰንከልከል ትብል። ናይ ምርኣይ ክእለትካ ካብ ንቡር ይሓምቕ። ኣልኮል ትሽትት፤ ዝተጋነነ ርሰእ-ተኣማንነት ከኣ ይስምዓካ።  

1,0 ፕሮሚለ:- ዓጀውጀው ትብል፤ ስምዒትካን ጭዋዳታትካን ናይ ምቍጽጻር ዓቕምኻ ይሓምቕ።

1,5 ፕሮሚለ:- ሚዛንካ ክትቈጻጸር ኪጽግመካ ይጅምር፤ ምናልባት’ውን ትወድቕ። ብስምዒት ትነቱጕ፤ ዕግርግር ይብለካ።

2,0 ፕሮሚለ:- ምዝራብን ጠጠው ምባልን ይጽግመካ። ድርብ ትርኢ።


3,0 ፕሮሚለ:- ኣብ ከባቢኻ እንታይ ይግበር ከም ዘሎ ኣይትርዳእን፤ ቀልብኻ ከተጥፍእ ከኣ ኣብ ቀረባ’ለኻ ማለት’ዩ።

4,0 ፕሮሚለ:- ቀልብኻ ኣጥፊእካ’ለኻ። ብዝሑል ተተንፍስ፤ ብምረዛ ኣልኮል ክትመውት ከኣ ኣብ ሓደጋ’ለኻ ማለት’ዩ።

*ዓቐን ፕሮሚለ ኣልኮል ኣብ ውልቀሰባት እንታይ ሳዕቤን ከም ዘሎዎ ብልክዕ እዚ’ዩ ክትብል ዚከኣል ኣይኮነን፤ ምኽንያቱ: እቲ ንነዊሕ እዋን ብዙሕ ኣልኮል ዝሰተየ ውልቀሰብ: ተጻዋርነት ኣልኮል ስለ ዘማዕብል: ክሳብ ክንድቲ ኣይጽሎን’ዩ ። ኣብዚ ኪስተውዓል ዘሎዎ ነገር ግን: ልዑል ተጻዋርነት ኣልኮል ምህላው ማለት: ምስ ኣልኮል ዚዛመዱ ጸገማት ጥዕናን መጕዳእትን ይንክዩ እዮም ማለት ኣይኮነን።

ልዑል ሃልኪ ኣልኮላዊ መስተ ንጥዕና ብኸመይ ይጸሉ?

ኣልኮል ኣብ ኵሉ ክፍልታት ኣካል ይበጽሕ፤ ዳርጋ ንብምሉኡ ኣካል ሰብ (ደገን ውሽጥን) ይጸሉ። ዓለምለኻዊ ውድብ ጥዕና ከም ዚብሎ: ምስ ልዑል ሃልኪ ኣልኮል ዚዛመዱ ዚያዳ 60 ሕማማት ኣለዉ። ምስ ኣልኮል ዚዛመድ ሕማም ክትጥቃዕ ግድን ኣመል መስተ ዘሎካ ክትከውን የብልካን። ኣመል ከይሃለወካ ብዙሕ ትሰቲ እንተ ኾይንካ’ውን ክትጥቃዕ ትኽእል ኢኻ።

ሓንጎል
ገና ውሑድ መጠን ኣልኮል ክትሰቲ ኣብ እትጅምረሉ ወቕቲ: ሕምቕ ዝበለ ሚዛናዊ ብቕዓት: ክእለት ኣተሓሳስባ: ተዘክሮን ግብረ-መልስን ይህልወካ። እኹል ድቃስ ኣይትድቅስን፤ ስምዒትካ ኸኣ ይጽሎ። ልዑልን ንነዊሕ እዋን ዚቕጽልን ሃልኪ ኣልኮል ሓንጎልካ ይጭብጥ፤ መጥቃዕቲ ትግርትያ (ኤፒሌፕሲ): ሕማም ረሲዕነትን ካልኦት ሕማማት ሓንጎል የጥቅዑኻ።
ቅዛነት
ሃልኪ ኣልኮል ኪልዕል ከሎ ብቕዛነት ክትጥቃዕ ዘሎ ሓደጋ ኸኣ ኣበርቲዑ ይውስኽ። ፍርቂ’ቶም ኣብ ሽወደን ዚኽሰቱ ርእሰ-ቅትለታት ምስ ኣልኮል ዚዛመዱ’ዮም።
ልብን ሻምብቆ ደምን
ካብ ትሑት ክሳብ መጠነኛ ሃልኪ ኣልኮል: ኣብ ልብን ሻምብቆ ደምን ርኡይ ሳዕቤን የብሉን። ዓቐን ዘይብሉ ሃልኪ ኣልኮል ግን ሓደጋ መጕዳእቲ ኣሎዎ። ኣልኮል ኣብ እትሰትየሉ ወቕቲ ትርግታ ልብኻን ድፍኢት ደምካን ይውስኽ። ናይ ዝተፈላለዩ ዘይንቡራት ህርመታት ልቢ (hjärtarytmier ንኣብነት förmaksflimmer) ሓደጋ ይዛይድ። ሕማማት ሻምብቆ ደም ልቢ ንምክልኻል ሃልኪ ኣልኮል ኣይተባባዕን’ዩ።
ጥንሲ
ልዑል ሃልኪ ኣልኮል ንፍርያምነት ደቂተባዕዮን ደቀንስትዮን ይንክዮ። ኣደ ኣብ ምሉእ ወቕቲ ጥንሳ ኣልኮል ትሰቲ እንተ ኾይና ዕሽላ ይጽሎ’ዩ፤ ብሕልፊ ኣብ መፈለምታ እዋን ጥንሳ እንተ ኾይኑ (ዋላካ ሽዑ ጥንስቲ ምኻናን ዘይምኻናን ኣፍልጦ እንተ ዘይብላ)። ነፍሰ-ጾራት ወይ ኪጠንሳ መደብ ዘሎወን ደቀንስትዮ: ካብ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ኪቝጠባ ይምረጽ።
ጸላም ከብዲ
ልዑል ሃልኪ ኣልኮል ንሓደጋ መንሽሮ ጸላም ከብዲ የዛይዶ፤ ልሙድ ሰበብ ስብሕቲ ጸላም ከብዲ: ነድሪ ጸላም ከብድን ከምኡ’ውን ሲሮሲስ (skrumplever) ከኣ እዩ።
ቈርበት
ልዑል ሃልኪ ኣልኮል ንሕማማት ቈርበት ከም ሶሪያሲስ: መበላይን ካልኦት ከምኣቶም ዚኣመሰሉ ሕማማት ቈርበት የጋድድ።
ጨጐራ
ልዑል ሃልኪ ኣልኮል ንሓደጋ ነድሪ ጨጐራን ህውከት ከብደ-መጣንጣን የዛይዶ።
ዓጽሚ
ልዑል ሃልኪ ኣልኮል ንሓደጋ ርቀት ዓጽምን ነድሪ መገጣጠምን የዛይዶ።
ደም
ኣልኮል: ኣንጉዕ ዓጽሚ ጸዓዱ ዋህዮ-ደም ናይ ምምንጫው ዓቕሙ የዳኽም፤ ዋሕዲ-ደም ውን ከስዕብ ይኽእል።
ረኽስታት
ብሰንኪ ሳዕቤን ኣልኮል ኣብ ኣንጉዕ ዓጽሚ: እቶም ካብ ረኽስታት ዚከላኸሉ ጸዓዱ ዋህዮ-ደም ይጽለዉ። እዚ ኸኣ ናብ ሓያለ ሕምማት ረኽሲ: ንኣብነት ነዊሕ ዚጸንሕ ጕንፋዕ ይመርሕ።
መንሽሮ
ኣልኮል: ኣብ ሓያለ ክፍልታት ኣካል መንሽሮ ናይ ምምጻእ ሓደጋ የዛይድ። ኣብ ኣፍ: ኣብ ጐሮሮ ዚኽሰቱ ሕማማት መንሽሮ ከምኡ’ውን መንሽሮ ጸላም ከብዲ: መንሽሮ ጡብን መንሽሮ ዳንዱርን ምስ ኣልኮል ንጹር ዝምድና ኣሎዎም።

ብዙሕ ኣልኮላዊ መስተ ብምስታይ ዚመጹ ካልኦት ሓደጋታት ኣየኖት’ዮም?

ሓደጋታት
ዝሰኸረ ሰብ ብዚያዳ ሓደጋታት ይጣላዕ። ኣብ ሽወደን ዓመት-ዓመት 3000 ዝኾኑ ሰባት ብሓደጋታት ይሞቱ። ሓደ ሲሶ ካብዚኣቶም ሰበቦም ምስ ኣልኮል ዚተሓሓዝ’ዩ። እቶም ኣብዞም ሓደጋታት ዚኣትዉ ብቝጽሪ ዚዓበዩ ሰባት: እቶም ብልሙድ ትሑትን መጠነኛን ኣልኮል ዚሰትዩ ግን ኔሮም-ኔሮም ብመስተ ዚሰኽሩ እዮም።

ዓመጽ
ስታትስቲክ ገበን ከም ዘመልክቶ: እቶም ዚበዝሑ ምብስባስን መውቃዕትን ካልኦት ገበናት ዓመጽን ምስ ሃልኪ ኣልኮል ኣጥቃዕትን/ግዳያትን ዝተኣሳሰሩ’ዮም።

ጸገማት ዝምድና
ልዑል ሃልኪ ኣልኮል: ምስ ሰባት ንዚግበር ምውሳእ ኪጐድኦ ይኽእል’ዩ፤ ምስ መቕርብካ ዘሎ ዝምድና ከኣ የብእሶ። ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዚኣኽሉ: ብዘይ ዓቐን ዚሰቲ መቕርብ ዘሎዎም ተቐማጦ ሽወደን: ብኣሉታዊ መልክዕ ከም ዝተጸልዉ ይሕብሩ።

ሽጋራ ምትካኽን ኣልኮላዊ መስተን
ዝተፈላለዩ ድሮጋታት ተሓባቢሮም ይሰርሑ፤ ንኣብነት ኣልኮልን ኒኮቲንን ኣብ ሓንጎል ሰብ ሓደ ስርዓተ-ዕግበት (belöningssystem) ኣሎዎም። ብተወሳኺ: ንኒኮቲን ንተነቃፍነት ኣልኮል ዘዛይዶ ይመስል። ንዘሎዎ ሃልኪ ኣልኮል ከጕድል ዚደሊ ሰብ: ማዕረ-ማዕርኡ ሽጋራ ምትካኽ ወይ ትንባኾ እንተ ገደፈ’ውን ረብሓ ኪህልዎ ይኽእል’ዩ። ብተመሳሳሊ መልክዕ: ሃልኪ ኣልኮል እንተ ነኪኻ ወይ ብሱሩ እንተ ገዲፍካ: ሽጋራ ደው ምባል ቀሊል ኪኸውን ይኽእል።

ኣመል መስተ እንታይ’ዩ?

ኣመል ኣልኮላዊ መስተ ማለት: ኣብ ጥዕናኻ: ዝምድናታትካን ማሕበራዊ ናብራኻን ኣሉታዊ ሳዕቤን ዘስዕብ ክነሱ: ብዙሕ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ደው ዘይምባል ማለት’ዩ። እቲ ኣመለኛ ዝኾነ ሰብ: ዚበዝሕ እዋን ንዓቐን ዚሰትዮ ኣልኮል ደረት ኪገብረሉ ይጸግሞ። ኵሉሳዕ ደኣ ኣይዅን’ምበር: ዚበዝሕ እዋን ተጻዋርነት ኣልኮል እንዳማዕበለ ይኸይድ’ሞ ናብ እትደልዮ ዕግበት ንምብጻሕ ብዙሕ ክትሰቲ ትቕሰብ፤ ብማዕርኡ መስተ ደው ከተብል ከለኻ: እቲ ዚምዕብል ዛህዲ (ካብ መስተ ምቝጣብ) ብርቱዕ ስምዒታዊ ቅልውላው የላዕለልካ። ንብዙሓት ሰባት ኣመል መስተ: ነቲ ቅድሚ ሽዑ ኣብ መነባብሮኦም ኣገዳሲ ዝነበረ ከም ዝምድና: ስራሕ ወይ ንጥፈታት ትርፊ-ጊዜ ተኪኡ ኣብ ህይወቶም ማእከላይ ግደ ይሕዝ። ኣመል መስተ ዘሎዎም ዚበዝሕ እዋን ኣልኮል ጸገም ምዃኑ ኣዐርዮም ይፈልጥዎ’ዮም፤ ይዅን’ምበር ንሃልኪ ኣልኮል ኪድርትዎ ወይ ደው ከብልዎ ኣይክእሉን’ዮም።

እዞም ዚስዕቡ 6 ተርእዮታት ኣብ ኣመል መስተ ዘሎዎም ሰባት ዚኽሰቱ’ዮም። ወልፊ ኣልኮል ከም ነጸርታ (diagnos) ኪወሃብ: ኣብዘን ዚሓለፋ 12 ኣዋርሕ: እንተ ወሓደ ሰለስተ ካብዞም ዚስዕቡ ተርእዮታት ብሓደ ኪኽሰቱ ኣለዎም።

ኣልኮላዊ መስተ ንምስታይ ”ትምኒት”: ሓያል ወልፊ ወይ ቀስበን ምስ ዚህሉ
ዓቐን እትሰትዮ ንምድራት ጸገማት ምስ ዚፍጠር ወይ ”ቍጽጽር ምስኣን”
ሃልኪ ኣልኮል: ኣብ ስራሕ: ኣብ ንጥፈታት ትርፊ-ጊዜን ምስ ሰባት ምሕዋስን እተጥፍኦ ጊዜ ከም ዚንኪ ይገብሮ
ልክዕ ከም ዝሓለፈ እዋን ቀጻሊ ዕግበት ክትረክብ ብዙሕ ዝዓቐኑ ኣልኮል ምስታይ የድሊ (ተጻዋርነት)
ምንቅጥጥቃጥ ኢድ: ምርሃጽ ወይ ሻቕሎት ምንካይ መስተ ወይ ደው ምባል (ዛህዲ)
ኣልኮል ናብ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጸገም ከም ዘስዕብ ትፈልጥ ክነስኻ መስተ ምስታይ ደው ዘይምባል

ንዘለካ ኣመል መስተ ክትቅይር ቅሩብ ዲኻ?

ናይ ብዙሓት ሰባት ርድኢት: ዘሎዎም ሃልኪ ኣልኮል ምቕያር ኣዝዩ ብርቱዕ ከም ዝኾነ’ዩ። ንዝበዝሑ ሰባት ግን እዚ ካብ ሽጋራ ደው ምባል ይቐልል፤ ብብዙሕ መዳይ’ውን ምስ ኣገባብ ኣመጋግባኻ ምቕያር ወይ ምንቅስቓስ ምጅማር ይነጻጸር።

ምናልባት ኣልኮል ምስታይ ክልቲኡ ረብሓን ጕዳኣትን ኣሎዎ ትብል ትኸውን - እወ ንዚበዝሑ ሰባት ከኣ ከምኡ’ዩ። ግን ኣየናይ የመዝን? እቲ ንዓኻ ዚኸውንን እትደልዮ ኣገባብን እትመርጽ ንስኻ ባዕልኻ ኢኻ። ወይ በቲ ክሳዕ ሕጂ ዝሰዓብካዮ ኣገባብ ትቕጽል ወይከኣ ዘሎካ ሃልኪ ኣልኮል ትቕይር።

ወሲንካ ዅን ወይ ገና ርግጸኛ ኣይትሃሉ ብዘየገድስ: ሓደ ኣድማዒ ስጕምቲ እንተሎ: ኣየኖት መጐተታት’ዮም ንዓኻ ዘገድሱ ወይ እንታይ ዓይነት ሰብ ክትከውን ኢኻ ትደሊ ንጹር ምግባር’ዩ።

ሸቶ ኣውጽእ

ዝተረፈ ህይወትካ ከመይ ኪኸውን ከም ዘለዎ ግድን ምውሳን ኣየድልየካን’ዩ። ለውጢ ከተምጽእ እንተ ደሊኻ ንሓደ ውሱን ጊዜ ንጹር ሸቶ ምውጻእ ጽቡቕ ደገፍ’ዩ። ግን ኣየናይ መፍትሒ የዋጽኣካ? ደረት ጌርካ መጠነኛ መስተ ምስታይ’ዶ ይሓይሽ ወይስ ንእዋኑ ኣልኮል ብሱሩ ደው ምባል?

ለውጢ ንምምጻእ ሃየ ጀምር

ኣብ መዓልታዊ መነብባብሮኻ ኣብ ሸቶኻ ንምብጻሕ ዚሕግዙኻ ንኣሽቱ ለውጥታት ግበር። ንኣብነት ኣብ ገዛ መኻዚኖ መስተ ዘይምህላው: ንኣልኮላዊ መስተ ብኣልኮል ዘይብሎም መስተታት ምትካእ: ምስ ደገፎም ኪህቡኻ ዚኽእሉ ፈተውትኻ ጊዜ ምሕላፍ ወይከኣ ኣብተን መስተ ትሰትየለን ዝነበርካ ፍሉያት እዋናት ሓደ ባህ ዘብል ንጥፈት ምጅማር ኪኸውን ይኻል።

ንርእስኻ ገምግም

ስለምንታይ መስተ ብዘይ ዓቐን ምስታይ ጀሚርካ ብዘየገድስ: ዘሎካ ሃልኪ ኣልኮል ምስ መዓልታዊ መነባብሮኻ: ምስ ልምድታትካን ኣገባባትካን ዝተኣሳሰረ’ዩ። እቶም ንስኻ ምስ ኣልኮል ተታሓሕዞም ኵነታት: ሓሳባትን ስምዒታትን ኣየኖት ምኻኖም እንተደኣ ፈሊጥካዮም: ንዘሎካ ሃልኪ ኣልኮል ናብቲ ዝደለኻዮ ኣንፈት ክትመርሕ ናይ ምጽላው ዕድል ኣሎካ።

ሓደስቲ ኣማራጽታት ርኸብ

ስሕት ኢሉ ኣልኮል: ከም ናይ ካልኦት ዘጋጠሙኻ ጸገማት (ከም ስእነት ድቃስ: ጸቕጢ ወይ ዝምድናዊ ጸገም) ሓጺር መፍትሒ ኮይኑ ዚሰርሓሉ እዋን ኣሎ። ሓደስቲ ልምድታት ብምጅማርን ንዘሎዉኻ ጸገማት ዝሓሹ መፍትሕታት ብምርካብን: ዓቐን ዘይብሉ መስተ ካብ ምስታይ ምቝጣብ ይቐለልካ።

ሓገዝ ሕተት

ፈታዊ: ኣባል ስድራ ቤት ይዅን ኪኢላ ሰብ ብዘየገድስ: ዘዛርበካ: ሓሳባትካን ስምዒታትካን ኣብ ምእላይ ዚሕግዘካን: ከተምጽኦ ንእትደሊ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ደገፉ ዚህበካን ሰብ ኪህሉ ጽቡቕ’ዩ።

ብንጕህኡ ተስፋ ኣይትቝረጽ

ለውጢ ዘሎዎ ሃልኪ ኣልኮል ከም ናይ ነዊሕ እዋን መፍትሒ ጌርካ ርኣዮ። ኣብ መስርሕካ መሰናኽላትን ኣንፈት ምስሓትን ከጋጥሙ ከም ዚኽእሉ ከም ቅቡል ግበሮ፤ ግን ኣመና ኣይተቕልበሎም፤ ኪዕንቅጹኻ ኸኣ ኣይተፍቅድ። ኣብ ዘሎካ ሃልኪ ኣልኮል ለውጢ ከምጽኡልካ እትደልዮም ብዙሓት ዕድላት ፈተነ ኣሎዉኻ።

ብዛዕባ ዘሎካ ሃልኪ ኣልኮል ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ምስ ገለ ሰብ ክትዛረብ ምስ እትደሊ: ጕዳይካ ስቱር (sekretess) ኪኸውን መሰል ኣሎካ። ብኣስተርጓሚ’ውን ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ’ዚ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ 1177 ክትነብብ ትኽእል ኢኻ።
http://www.1177.se/Stockholm/Other-languages/Tigrinska/

ኣብ መላእ ሽወደን ናይ ዚርከባ መቐበልታት ቍጽርታት ስልኪ ዚሕብር ካርታ ኣብኡ’ሎካ።
https://alkoholhjalpen.se/karta